We should preserve biodiversity
Sunday, May 19, 2024
ስርዓተ ምሕቃቅ ምግቢ ኾምሳዕቲ (The ruminant digestive system)
ከም ከፍቲ ዝበሉ ኾምሳዕቲ ኣርባዕተ ቦኽራታት ወይ ክፋላት ዘለዎ ከሽዐ ኣለዎም።
እቲ ቀዳማይ ክፋል ከሽዐ ከዛኒ ዝበሃል እንትኸውን መጀመርታ ተበሊዑ ዝወሓጥ ምግቢ ዝኣትወሉ ክፋል እዩ።
ኣብዚ ክፋል ምግቢ ኦክስጅን ብዘየድልዮም ባክተርያ ክቦክዕን ምሕቓቕ ሴሉሎዝ ክካየድን ይግበር።
ብምቕፃል እቲ ምግቢ ናብቲ ካልኣይ መላሲ ዝበሃል ክፋል ከሽዐ ይሰግር። ኣብዚ ክፋል ከሽዐ ዝርከብ ምግቢ ንክኹምሳዕ ድሉው ዝኾነ እዩ።
ብከይዲ ምኹምሳዕ ናብ ኣፍ ምስመፀ ድማ ዳግማይ ይሕየኽ።
እቲ ዳግማይ ዝተሓየኸ ምግቢ ተዋሒጡ መጣጢ ናብ ዝበሃል ሳልሳይ ክፋል ከሸዐ ይኣትው።
እዚ ኣብ ውሽጢ እቲ ምግቢ ዘሎ ኣብዝሓ ማይ ዝምጠጠሉ ክፋል ከሸዐ እዩ። ብምቕፃል እቲ ምግቢ መሕቐቒ ናብ ዝበሃል ናይ መወዳእታ ክፋል ከሸዐ ይሰጋገር።
እዚ ክፋል ስሩዕ ፈሰስቲ ከሽዐ (ኤንዛይማት) ኣብቲ ምግቢ ንዝርከብ ፕሮቲን ዘሕቕቑሉ እዩ።
ኦማሰም:- ካብ ኣርባዕቲኦም ቡኽራታት ከሽዐ ኾምሳዕቲ እቲ 3ይ ኮይኑ ሽንፍላ ተባሂሉ’ውን ዝፅዋዕ እዩ። ዝተዓፃፀፉ ክፋላት ብበዝሒ ስለዘለዉዎ ድማ ከም መፅሓፍ ይምሰል።
Subscribe to:
Post Comments (Atom)
No comments:
Post a Comment