እንኳን ለብርሃነ ትንሳኤው አደረሳችሁ“ኢየሱስ ክርስቶስ ከሙታን በመነሣቱ ለሕያው ተስፋና ለማይጠፋ፥ እድፈትም ለሌለበት፥ ለማያልፍም ርስት እንደ ምሕረቱ ብዛት ሁለተኛ የወለደን የጌታችን የኢየሱስ ክርስቶስ አምላክና አባት ይባረክ፤ ይህም ርስት በመጨረሻው ዘመን ይገለጥ ዘንድ ለተዘጋጀ መዳን በእምነት በእግዚአብሔር ኃይል ለተጠበቃችሁ ለእናንተ በሰማይ ቀርቶላችኋል”(1ጴጥ. 1፥3-5) መድኀኒታችን ኢየሱስ ክርስቶስ ተሰቅሎ መሞቱና ከሙታን ተለይቶ መነሣቱ በየዓመቱ ይከበራል፡፡ በዚሁ መሠረት ካህናቱና ምእመናኑ የጌታን ሕማማት በጾም በጸሎትና በስግደት ሲያስቡ ሰንብተዋል፤ የትንሣኤን በዓል ለማክበርም በዝግጅት ላይ ናቸው፡፡ ነገር ግን ጌታ የመሞቱና የመነሣቱ ምስጢር ገብቷቸው በዓሉን የሚያከብሩ ስንቶች ይሆኑ?
መጽሓፍ ቅዱስ
መጽሓፍ ቅዱስ እተቐደሰ ወይ ከኣ እተፈልየ መጽሓፍ ማለት እዩ። መ.ቅ. ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት መዝገብ እዩ። ክፍልታት መ.ቅ. ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ተባሂሉ ይስመ። ብ.ኪ. ካብ 1400 - 400ቅ.ል.ክ. ኣብ እተፈላለየ ቦታ ኣርብዓ ብዚኣኽሉ በበይኖም ጸሓፍቲ ኸም እተጻሕፈ ይንገር። ሓ.ኪ. ከኣ ካብ 45-96 ዓ.ም. ብሸሞንተ ሰባት ከም እተጻሕፈ ንፈልጥ። መ.ቅ. ብሙሉኡ ይኹን ወይስ ብኸፊል ኣብ 1950 ቋንቋታት ተተርጕሙ ይርከብ።
የሱስን ብሉይ ኪዳንንእቶም ብጊዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁድ ንመጽሓፍቲ ብ.ኪ. ከይተጠራጠሩ ኸም ቃል እግዚኣብሄር ተቐበልዎ፡ ከም መሰረት ሃይማኖቶም ከኣ ገበርዎ (ዘዳ.4፡1። ዮሃ.5፡39፤ 9፡28)። ከምኡውንየሱስ፡ ቃል እግዚኣብሄር ዘይልወጥን ዘይቅንጠጥን ምዃኑ መስኪሩ ኣሎ (ሉቃ.16፡17። ዮሃ.10፡35)። የሱስ ንኣይሁድ፡ ሕጊ ብዘይምፍላጦም ይወቕሶም (ማር.12፡24)። ነቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ተጻሒፉ ዘሎ ቓላት ከም ቃል እግዚኣብሄር ገይሩ ይጠቕሶ (ዘድ.2፡24 ምስ ማቴ.19፡4-5 ኣመዓራሪ)። ጎይታና የሱስ ንብሉይ ኪዳን ኪፍጽም ከም ዝመጸ የስተምህር (ማቴ.5፡17)። ብ.ኪ. እናጠቐሰ ኸኣ እቲ ጥቕስታት ብዛዕብኡ ኸም ዚዛረብ የርኢ (ሉቃ.18፡31፤ 24፡27፥44)። እቶም ሃዋርያት ከኣ ንየሱስ ብምስዓብ፡ ብ.ኪ. እናጠቐሱ ይሰብኩን ይምህሩን ነበሩ (ግብ.2፡16-35። እብ.1)።
ሃዋርያትን ሓድሽ ኪዳንንየሱስ ንቓሉ ኺግንዘቡ ነቲ ዚመጽእ ኸኣ ኺፈልጡ፡ መንፈስ ሓቂ ኸም ዝሰደሎም ንሃዋርያቱ ተስፋ ሃቦም (ዮሃ.14፡26፤ 16፡!3)። ሃዋርያ ጳውሎስውን ነቲ ወንጌል ካብ ክርስቶስ እምበር ካብ ካልእ ሰብ ከም ዘይተቐበሎ ገሊጹ ኣሎ (ገላ.1፡11-17)። እቶም ሃዋርያት ቃል እግዚኣብሄር ኪጽሕፉ ከም እተመደቡ ይፈልጡ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ዘዳ.25፡4 ምስቲ ኣብ ሉቃ.10፡7 ዘሎ ቃል መድሓኒና ኣወሃሂዱ ኣብ 1ጢሞ.5፡18 ጠቒስዎ ኣሎ። ሃዋርያ ጴጥሮስውን ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ዝጸሓፎ መልእኽቲ መስኪሩ ኣሎ (2ጴጥ.3፡15-16)። እቶም ሃዋርያት እምበኣር፡ እቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ከም እተጻሕፈ ይፈልጡ ነበሩ (1ቆረ.2፡13። 2ጢሞ.3፡14-17። 2ጴጥ.1፡21)።
ቤተ ክርስትያንን መጽሓፍ ቅዱስንቤተ ክርስትያን ካብ መጀመርታ ጀሚራ ነቲ ኣይሁድ እተቐበልዎ መጽሓፍቲ ብ.ኪ. ተቐበለት። ነቲ ብሃዋርያት ወይ ከኣ ብስልጣን ሃዋርያት እተጻሕፈ መጽሓፍቲውን ኣኪባ ከም ቃል እግዚኣብሄር ተቐበለቶ። እቶም ኣባላት ቤ.ክ. ካብ መጽሓፍቲ ሓ.ኪ. እናጠቐሱ እዮም ዘስተምህሩ። እቲ ቀዳማይ ቅዳሕ ሓ.ኪ. ብ150 ዓ.ም. ኣቢሉ እተጻሕፈ ይመስል። ብቛንቋ እብራይስጢ እተጻሕፈ ሓያሎ ቅዳሓት ብሉይ ኪዳንውን ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ቅዳሕ ብ220 ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ እተጻሕፈ ይመስል። እቶም ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ቀደም ዘበን፡ ኣብ ጥቕሉል መጽሓፍ ተጻሒፎም ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ጸሎትን ኣብያተ ክርስትያናትን ይቕመጡን ይንበቡን ከም ዝነበሩ ንዝክር። እቶም ተርጎምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ቀደም ጀሚሮም ነቲ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ብምዕራፍን ቁጽርን ኪፈልይዎ ፈተኑ። እንተኾነ ግና ከም ብሓድሽ ብ1228 ዓ.ም. ኣብ ምዕራፋት፡ ብ1551ዓ.ም ከኣ ኣብ ምዕራፋትን ቁጽርን ምኽፋል ተጀመረ። እቲ ሽዑ እተገብረ ምክፍፋል ምዕራፋትን ቁጽርን ከኣ ክሳዕ ሎሚ የገልግል ኣሎ። ﷽ዝርዝር ቅዱሳት መጽሓፍቲ ﷽ትርጉም ቅዱሳት መጽሓፍቲ ﷽ቃል ﷽ትንቢት ﷽ነብዪ ﷽ሃዋርያ ﷽ምግላጽ ﷽ስልጣን ﷽መንፈስ ቅዱስ 10 ﷽ጽሑፋትን ጽሕፈትን ተመልከት።