Saturday, November 16, 2019

ናይ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ምኽክር መድረኽ


ማሕበር ስነህይወትን ብዝሃህይወትን ትግራይ (ማ.ስ.ብ.ት) ኣብ ምርምር ስነህይወትን ብዝሃህይወትን ዕዙዝ ኣበርክቶ ንምግባር• ተበግሶን ተሓላቕነት ተፈጥሮን ብምዕባይ¤ ናይ ሕብረተሰብ ተረባሕነት ማእኸል ዝገበረ  ዘላቕነት ዘለዎ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብፍላይ ድማ ብዝሃህይወት ንክህሉ ውፉያት ሰብ ሞያ ስነህይወትን ብዝሃህይወት ኣብ ሓደ መድርኽ ብምርኻብ ሞያዊ ሓገዝን ምኽርን ንምሃብ ዓሊሙ ዝሰርሕ ንትርፊ ዘይነጥፍ ናይ ሞያ ማሕበር ‘ዩ።  

  

ማሕበር ስነህይወትን ብዝሃህይወትን ትግራይ (ማ.ስ.ብ.ት) ምስ ክፈለ-ትምህርቲ ስነህይወት ብሓባር ብምዃን ናይ ፍርቂ መዓልቲ ናይ ምኽክር መድረኽ ኣካይዶም።  

ፕሮፌሰር ግደይ ይርጋ ነቲ መድረኽ እንትኸፍቱ

ፕሮፌሰር ግደይ ይርጋ ነቲ መድረኽ እንትኸፍቱ


ኣብቲ ናይ ምይይጥ መድረኽ ዶ/ር ሃፍቱ ኣለማዮህ ናይ ተፈጥሮ ቀመር ሳይንስ ኮሌጅ ዲን  ናይ መኽፈቲ መደረ ኣስሚዖም።


ዶ/ር ዳዊት ኪዳነ ዘውዴ ኣብቲ ናይ ምይይጥ መድረኽ “ዕላማን እንታይነት ማሕበር ስነህይወትን ብዝሃ ህይወትን ትግራይ (ማ.ስ.ብ.ት)” ብዝርዝር ገሊፆም


Participants
Participants